ክሳዕ ተረጋግጽ ተዛረብ

ሓደ ሓደ ግዜ ተለቭጅን እንዳራእኹ ንእሽተይ ሓወይ መጺኡ ቐጻሊ ክሓቕፎ ይደሊ።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል።
ብዘየገድስ
ዝበዝሕ ግዜ ንእሽተይ ሓወይ ነፍሲ ወከፍ ግዜ ዝሪኣ ሓንቲ ፊልም ደጊሙ ይርኢ ልክዕ ድሕሪ ምውድኣ ስለ ዝበኪ ከኣ ኣሸጋሪ ይኸውን።
ሽዑ ነዚ ነገር ሸለል ክትብሎ ጥራይ እዩ ዘለካ።
ኣወዳት
ንእሽተይ ሓወይ ኣነ ሕንቲኽቲኽ ከብሎ ክደሊ ከሎ እዩ ደስ ዝብለካ።
ኣዝዩ ደስ ዘብል እዩ።
ተዛረብ
ኣብ ሳሎን ተጋዲመ ከለኹ ብዙሕ ግዜ ንእሽተይ ሓወይ መጺኡ "ሕንቲኽቲኽ ኣብልኒ!" ይብል።
ሓደ ሓደ ግዜ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል፣ ግና እወ. . .
ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንእሽተይ ሓወይ ኣንጊሁ ተሲኡ ንስድራይ ኣተሲኡ ፣ "ሎሚ ተሓጉሰ ኣለኹ!" ይብሎም።
ሽዑ ንሳቶም፣ "ሕራይ ጽቡቕ " ይብልዎ።

/ዊዳር፣ 11 ዓመት

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson