ከይሸፋፈንካ እቲ ሓቂ ንገር

ወለዲ ዋላ'ውን እቶም ዘጋጠሙ ነገራት ዘሕዝኑ ወይ ዘሰንብዱ ይዅን፡ ከይሸፋፈኑ እቲ ሓቂ ክነግሩ ኣለዎም።
እንተዘይኮነ እቲ ሰብ ምስ ፈለጠ ምናልባት ብዝያዳ ኣዚዩ ክሓርቕን ክሓዝንን ይኽእል እዩ።
ከም ዘታለሉኻ ኾይኑ ክስምዓካ ይኽእል እዩ።
ወለዲ ቅድሚ ምንጋሮም ቅሩብ ክጸንሑ ይኽእሉ እዮም።
ምናልባት ምንጋር ከቢድ ኾይኑ ክስምዖም ይኽእል እዩ።
ከመይ ገይሮም ከም ዝነግሩ ድማ ክሓስቡ ይህልዎም ይኸውን።
ኣቦሓጎይ ምስ ሞተ ከምኡ እዩ ኣጋጢሙ።
ሓዚኖም ስለ ዝነበሩ ኣነ ድማ ክሓዝን ኣይደለዩንን።
ግን ሓሲቦም ምስ ወድኡ ነጊሮምኒ።
ሓዚነ፡ ግን ኣቦሓጎኻ እንተ ሞይቱካ ከምኡ ኢኻ ትኸውን።

/ሃሳን 11 ዓመት

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson