ብዛዕባ እዚ ቆልዓ ኣብዚ ተዛረብ

ብዛዕባ እቲ ዝተዋህባ ናይ ሓኪም ውጽኢት ምስ ሲሪ ተዛሪበ ኣለኹ፣ ንሳ ፍልይቲ ምዃና, ሓንጎላ ብፍሉይ ከምዝሰርሕን, ካብ ካልኦት ኣቖልዑት ንላዕሊ ብዙሕ ነገራት ከምእትርእይን ንሱ ድማ ቀልጢፉ ድኻም ከም ዘስዕበላን ማለት እዩ።

ግን ከኣ ንሳ ደስ ተብልን ኣብ ብዙሓት ነገራት ኣዝያ ንፍዕትን ፍሉይ ተውህቦ ከምዘለዋን ምኻና'ውን።
ከተንብብን ክትጽሕፍን ትኽእል ከምኡ'ውን ብጣዕሚ በላሕ እያ።
እዚ ኩሉ ንዓኣ ክትነግራ ኣገዳሲ እዩ።
ካብ ካልኦት ንላዕሊ ዝሓመቐት ኮይኑ ከይስምዓ፣ ርሕቕ ክትብል እንተደልያ ንዓና ክትነግረና ከም ትኽእል ፣ ኣብ መንጎ ክፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ከተዕርፍ ምድላይ ደሓን ከም ዝኾነ ክትፈልጥ ከም ዘለዋ።
ኣብ ዝደኽመሉ ግዜ፣ ንሓደ ነገር መመሊሳ ደጋጊማ ክትዛረብ ከላ ክሰምዓ ኣብ ዘይደልየሉ እዋን ኣይነግራን እየ።
ኣስተንፊሰ ውሒጠዮ ሱቅ ይብል።
እንተዘይኪኢለዮ ከኣ ንበዓል ቤተይ የረክቦ ከምድልየተይ ክኸውን ከኣ ይገድፈኒ።
በዚ ናተይ ስምዒት ሲሪ ክትትንከፍ ኣይደልያን እየ።
ንሱ ከድልዮ ከሎ ከኣ ኣነ ይቅበሎ፣ ንቐያየር
ኣብቲ ስድራ ክልተ እኹላት ሰባት ብምህላውና ዕድል ጌርና።

/ኣደ ሲሪ፣ 8 ዓመት

Snackeboda. Bild på en "prata"

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson