ቪክቶር ንክሓትት ይደፍር

ንማርቲን ንእሽተይ ሓዉ ሓሚሙ እዩ ዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ክመውት እዩ።
ግን ብዛዕባ እዚ ሕማቕ ነገር ዝዛረብ ሰብ የለን።
ማርቲን በይኑ እዩ ኣብ ጓሂ ዘሎ።
ግን ቪክቶር ዝበሃል ዓርኩ ኣሎ ፣ ደፊሩ ዝሓቶ።
"ብሓቂ ኸመይ እዩ ነገሩ፣ቪክቶር ይሓቶ።
ማለተይ ናይ ሓውኻ ነገር።
-ጽቡቅ፣ ይብል ማርቲን።
ቪክቶር ገለ ኣእማን ናብቲ ማይ ይስንድው።
-ናይ ብሓቐይ እየ እኳ።
ናይ ብሓቂ እዩ ሓሚሙ ዘሎ ?
ን ሓደ ናይ በረድ ኩዕሶ ወዲ ጋንታይ ንእሽተይ ሓፍቱ ንሓውኻ ጓል ክላሱ እያ።
ሓውኻ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይመጽእን እዩ ዘሎ ኢላ።
-ባዕላ ትፈልጥ።
ኣንድርያስ ብርግጽ ኣብ ቤት ትምህርቲ እዩ ዘሎ።
ቪክቶር ሱቕ ይብል።
ዝኾነ ኮይኑ ናይ ብሓቂ ተባዕ እዩ።
ብዛዕባ እዚ ደፊሮም ንማርቲን ዝሓቱ ብዙሓት ኣይኮኑን።
ንቪክቶር ይፈትዎ እዩ።
ለባም ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ ናይ ብሓቂ ኩነታት ከመይ ከም ዘሎ ክሓትት ስለ ዝደፍር።
ንሱ ከምቶም ካልኦት ዝገብርዎ ፈሊጡ ከምዘይፈለጠ ክኸውን ስለዘይፈቱ።
ከምዚ እንተዘይተዛሪብካሉ ዝስወር ዓይነት።
ኣነን እንድርያስን ነኣሽቱ ከለና ኣብ ግዜ ቀውዒ ንፋስ ክነፍስ ከሎ ቀጻሊ ንመጽእ ኔርና።
መታን ክነቕዕ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥቃ ገምገም ባሕሪ ዝነበረ በረድ ንነጥር።
በቃ እቲ በረድ ቕቕድሚ ምሕቓቑ።
-ምም።
-ኣርባዕተ ወርሒ ጥራይ እዩ ተሪፍዎ ዝኸውን።
ሕጂ ታሕሳስ ኢና ዘለና።
ሓደ፣ ክልተ፣ ሰለስተ፣ኣርባዕተ።
-ምያዝያ ከ፣ ይብል ቪክቶር።
ማርቲን ድንን ኢሉ ሓደ ዓቢ እምኒ ኣልዓለ።
ቅድሚ ምስንዳዉ ነቲ እምኒ ኣብ ኢዱ መዘኖ።
ልክዕ ከም ናይ ሓጺን ኩዕሾ እቲ እምኒ ነቲ በረድ ሃረሞ።
-ሚያዝያ ናይ ሞት ወርሒ እያ ክትከውን፣ በለ።
ሽዑ እዩ ከኣ ኩሉ ነገር ዝጅምር።"

(ካብ መጽሓፍ ዝተጾምቐ:
እብ ሞንጎ ሓጋይን ሰማይን ብ ኤሊን በንግትሶን, ዝተሓተመሉ ዓመት 2013 ብ ናቸርን ካልቸርን)

Snackeboda. Bild på en ”prata”

Senast uppdaterad 2022-06-02 av Peter Eriksson, ansvarig utgivare Lennart Magnusson